መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ምዃኑ ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምሁራን ንኮሚቴ ሽልማት ናቤል ሰላም ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ምዃኑ ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ 28 ኢትዮጵያውያን ምሁራን ንኮሚቴ ሽልማት ናቤል ሰላም ኣፍሊጦም።

እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ይወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት ሚዲያ ዝዝረቡ ዘለዉ ሓበሬታታት ዝተሰሓሓቱን መሰረት ዘይብሎምን ኢዮም ኢሎም።

እቶም ምሁራን፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት እናገበሩ ከምዝፀንሑ ብምሕባር እቶም ምምሕያሻት ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፅኡ ገሊፆም።

ቀደማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ክሰርሑ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረ ርክብ ኢትዮ ኤርትራ ንክሕደስ ከምዝገበሩ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢትዮጵያ ንባዕሉ ብዝምቹዎ ክመርሕ ዝፀንሐ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት፥ እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍን ንመንግስቲ ብዝፃረር መገዲን ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ንባዕሉ ኣብ ክልል ትግራይ ብምሕባእ ንኲናት ክዳሎ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ጉንፂታት ንክውልዑ ክንቀሳቐስን ኢትዮጵያ ንከይትረጋጋዕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳታት ክነዝሕ ከምዝፀንሐን ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላዩ ክፋላት እዛ ሃገር ንዕጡቓት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ደገፍ ብምግባር ጎንፂታት ንክውልዑ በዚ ኣቢሉ እውን ሃገር ንከይትረጋጋዕን ህይወት ንፁሃን ንክጠፍእ፣ ጉድኣት ንክበፅሕ፣ ዜጋታት ካብ መረበቶም ንክመዛበሉ ከምኡውን ዕንወት ንብረት ንክበፅሕ ከምዝገበረ ብኣብነት ኣረዲኦም።

ኣብዛ ሃገር ዘጋጠመ ኮቪድ 19 ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ እንትናዋሕ፤ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ካብ ኣፍልጦ ቦርድ ምርጫ ወፃእ ኣብ ክልል ትግራይ ዘይሕጋዊ ምርጫ ከምዘካየደ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ህወሓት “ኣነ እንተዘይሃሊየ ሃገር ክትፈርስ ኢያ” ብዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ክነዝሕ ከምዝፀንሐ እቶም ምሁራን ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ እውን ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ምሁራንን መላእ ህዝብን፥ መንግስቲ ቀንዲ ስርሑ ዝኾነ ሕግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ስራሕ ንክሰርሕ ፃውዒት ከምዘቕረቡ ብምዝኽኻር፤ ንዝተገበረ ኩሉ መንግስቲ ማእኸል ትቸት ኮይኑ ከምዝፀንሐ እውን ገሊፆም።

ኮሚቴ ኖቤል ሰላም፥ ሰላም ብሓደ ወገን ጥራሕ ኣይመፅእን ምባሉ ብምዝኽኻር መንግስቲ እውን ነቲ ጉዳይ ብሰፊሕ ልቦና እናረአዮ ከምዝፀንሐን ብዕርቀ ሰላም ንምፍታሕ ፃዕሪ ክገብር ከምዝፀንሐን ገሊፆም።

ይኹን እንበር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነዚ ኩሉ ብምስጋር ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣረዲኦም።

እዚ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ እውን ብናይቲ ፓርቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝኾኑ ኣይተ ሴኩቱሬ ጌታቸው ኣቢሎም ከምዝኣመኑ ሓቢሮም።

መንግስቲ እውን ህወሓት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተገዲዱ ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ዝተወሰኑ ዓለም ለኻዊ ሚዲያታት፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ኲናት ከምኡውን ኲናት ሕድ ሕድ ኣምሲሎም ይፅብፅቡ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቶም ምሁራን ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘን ትኽከል ዘይኮነን ሓበሬታ ነቲ ኮሚቴ ክበፅሖ ከምዝፀንሐ እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ ኮሚቴ ሰላም ዘውሰድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ እንበር ኲናት ዘይምዃኑ ክግንዘብ ከመዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment