ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ከምትድግፍ ፊንላንድ ኣፍሊጣ።
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዓለም ለኸ ርክብን ሰላምን ዶክተር ዲማ ነገዎ፥ ምስ ተወካሊት ፍልይቲ ልኡኽ ፓርላማ ፊንላንድ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኦቲ ሆሎፖይነን ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ርክብ ፓርላማ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም።
ዶክተር ዲማ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ነተን ተወካሊት ፍሉይ ልኡኽን ኣምባሳደርን መብርሂ ሂቦም።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ኣማራፂ ሰላም ስዒቡ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ሱልዳን ሰዒድ ኣህመድ ብግደአን፥ ፊንላንድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ብኣማራፂ ሰላም ንምፍታሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምትድግፍ ኣረጋጊፀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com