መንግስቲ ኣብ ምኽባር ሕጊ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ከምዝድግፉ ፓርትታት ፓለቲካ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ምሕላው ሰላም ከባቢን  ምኽባር ሕጊን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ከምዝድግፉ ኣብ ከተማ ደሴ ዝርከቡ ፓርትታት ፓለቲካ ገሊፆም

ምምሕዳር ከተማ ደሴ ምስ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ፓርትታት ፓለቲካ ዘተ ኣካይዱ።

ኣቦ ወንበር ፓርቲ ኢዜማ ጨንፈር ደሴ ኣይተ ኣይነቱ ሃይሉ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁ ፥ ፈላማይ ተግባር መንግስቲ ምዕሳል ሰላምን ምኽባር ሕግን እዩ።

ኣብታ ከተማ ኢሉ እውን ብብርኪ ክልል ይስራሕ ዘሎ ምኽባር ሕግን ሰላምን ከምዝድግፉ ሓቢሮም።

ፈለማ ግን ሰፊሕ  ዘተ በቢብርኩ የድሊ ምንባሩ ኣልዒሎም።

ብተወሳኺ ከም ፓርቲን ነባሪ ከተማን ከይዲ ምኽባር ሕጊ ብጥንቃቐ እናተመርሐ እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ኢዜማ ጨንፈር ደሴ ሻምበል ደምሌ ብግደኦም፥ ንሰላም ምኽባር ሕግን ኩሉ ሰብ ድሌትን እምነትን ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዘይስሩዓት ጉጅለታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መሓውር ዘለዉ ፈጠርቲ ፀገም ምእራምን ሰላም ምርግጋፅን የድሊ ዝበሉ ድማ ኣይተ ስዩም ኣበበ ተወካሊ ነፃነትን እኩልነትን ፓርቲ እዮም።

ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ እናት  ጨንፈር ደሴ  ኣይተ ዳዊት ኣያሌው፥ ጉዳይ ሰላም ሓድነት ምትሕብባርን ሕብረተሰብ ይሓትት እዩ ኢሎም።

ዝውሰድ ዘሎ ምኽባር ሕግን ሰላምን ንዕላማ ረብሓ ህዝቢ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ደሴ ኣይተ ሞላ ሑሴን ብግደኦም፥ ከምቲ ኣብ ወፍሪ ህልውናን መረፃን ዝነበረ ምትሕብባር ሐዚ እውን ሰላምን ድሕንነትን ማሕበረሰብ ንምሕላው ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

Comments (0)
Add Comment