መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብሓለንጊ ጥምየት ዝግረፍ ዘሎ ህዝቢ ዝፍፀም ተደራቢ በደልን ገበንን ኣይዕገስን-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

አዲስ አበባ፣ ሚያዝያ 26፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሮም ዝፍፀሙ ጥፍኣታት ንምክልካልን ኣፃሪኻ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ዘኽእል ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓዘ ክልላዊ ሓይሊ-ዕማም (task force) ምጥያሹ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ጌታቸው፥ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ሑሱም ፀገምን ምምዝባልን ወዲቑ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኾነ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ብገብርቲ ሰናይ ዝመፅእ ሓገዝ ብዘይኣግባብ ምምሕዳር፣ ምጥፍፋእን ናብ ዕደጋ ምውፃእን የጋጥም ምህላዉ ገሊፆም።

ብሰንኪ እዚ ድማ  ኣብ ህዝብን ለገስቲ ኣካላትን ሰፊሕ ቅርታታት ክልዓል ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ብሓለንጊ ጥምየት ዝግረፉ ዘለዉ ህፃናት፣ ኣረጋውያን፣ ኣካል ጉዱኣትን ብሕዱር ሕማም ዝሳቐዩ ወገናትናን ዝፍፀም ዘሎ ተደራቢ በደልን ገበንን እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ነቲ ገበን ከም መንግስትን ህዝብን ክንዕገሶ ኣይንኽእልን ኢሎም።

ስለዝኾነ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሮም ዝፍፀሙ ጥፍኣታት ንምክልካልን ኣፃሪኻ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ዘኽእል ክልላዊ ሓይሊ-ዕማም (task force) ከምዝተጣየሸ ኣፍሊጦም።

ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማም፥ ሌ/ጄኔራል ፍስሃ ኪዳኑ (ኣካቢ)፣ ኣይተ ሓዱሽ ተስፋ፣ ዶ/ር ገ/ሂወት ገ/እግዚኣብሄር፣ ኮሚሽነር ይሕደጎ ስዩምን ኣይተ ይትባረክ ኣምሃን ምዃኖም ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘውፅኦ መልእኽቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ሓይሊ-ዕማም ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ተመሳሳሊ ተልእኾ ዝፍፅማ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሞት ፈሪዶም ገበን ዝፍፅሙ ዘለው ኣካላት ተሓታትነት ንከረጋግፅ ልኡኽ ከምዝተውሃቦ ተሓቢሩ።

ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሩ ዝፍፀሙ ጥፍኣታትን ዝተወሰደ ሕጋዊ ስጉምትን ዝምልከት በቢ እዋኑ ንህዝብናን ዝምልከቶም ኣካላትን ዕላዊ መግለፅታት ከምዝወሃብ ድማ ተገሊፁ።

ህዝቢ ምስ ኣካላት ፀጥታን ሕግን ተሓባቢሩ ከም ዝስርሕ ዝልዓለ እምነት ኣለኒ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተደራቢ ፀገም ንምፍጣር ኣብ መሓውር መንግስቲ ኮይኖም ኮነ ብውልቃዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሮምክ ዘለዉ ኣካላት ብህፁፅ ካብ ተግባሮም ንክእርነሙ ኣተሓሳሲቦም።

“ለገስቲ ኣካላት ብሓፈሻ ውድብ ምግቢ ዓለም ድማ ብፍላይ ዘጋጠመ ፀገም ብልዑል ትኹረትን ኣብ ሓፂር ግዜን ሓቢርና ከም እንፈትሖ ኣረጋግፅ” ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ።

ንሰብኣዊ ሓገዝ ጠሚቱ ኣብ ቀረባ ዝተውሃበ ውሳነ ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝወደቐ ህዝቢ ኣዝዩ ዝጎድእ ስለ ዝኾነ ደጊምሞም ክሪእዎን ዝተለመደ ሰብኣዊ ስራሕቶም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉሉን ተላቢዮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment