ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮንን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶክተር ኣኔት ዌበር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
ኣይተ ደመቀ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኽነግስ ብምኽንያት ጎንፂን ድርቅን ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣብ ዙርያ ዝግበር ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እዋናዊ ኩነታትን ቀፃሊ ቀጠናዊ ዛዕባታትን ንተን ፍልይቲ ልእኽቲ ገለፃ ገይሮም።
ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር ንምድላዉ እውን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታዉ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኲናትን ድርቅን ንዝተጎድኡ ወገናት ንኽበፅሕ ስምምዕነት ደው ምባል ተኹሲ ኣዊጁ እናተጉዓዘ እዩ፤ ኣብ ከይዲ እቲ ጎንፂ ዝተፈጠሩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተቲ ንምግባር ግበረ ሓይሊ ሚኒስትራት ተጣይሹ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ግብረ ሓይሊ ሐዚ ከባቢ 100 ሰብ ሞያ ከምዘዋፈረ እውን ተዛሪቦ።
መንግስቲ ዝተፈጠሩ ፀገማት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽረኽቡ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ዋላ እናሰርሐ እኳ እንተኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንካሊእ ኲናት ይዳሎ ኣሎ ኢሎም።
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ልዑል ፅዕንቶ ከሕድረሉ ይግባእ ኢሎም።
ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶክተር ኣኔት ዌበር ብግደአን መንግስቲ ዘሕለፎ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነን ንፀገማት ዕልባት ንምሃብ ይጉዓዘሉ ዘሎ መንገዲ ዝበረታታዕ እዩ ኢለን፡፡
ኣብ ዙሪያ ግድብ ሕዳሰ ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሕብረተሰብ ሓቆፍ ዘተ ከምዝፍታሕ ንኣምን ኢና፤ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ብዘተ ንምፍታሕ ቆራፃት ክንከውን ክብሉ ኣይተ ደመቀ መኮነን ማሕበረሰብ ዓለምን ሕብረት ኣውሮፓን ብድርቅን ጎንፅን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታቶም ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።