መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብዓዊነት እንትበሃል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ዘመሓላለፎ ውሳነ ትኽክለኛ ስጉምቲ ኢዩ -ቱርኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብዓዊነት እንትበሃል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ዘመሓላለፎ ውሳነ ነቲ ጎንፂ መፍትሒ ንምትእልላሽ ትኽክለኛ ስጉምቲ ኢዩ ክትብል ቱርኪ ገሊፃ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ከምዝገለፆ፥ መንግስቲ ንሰብኣዊነት እንትበሃል ጎንፂ ጠጠው ንምባል ዘመሓላለፎ ውሳነ ብምንኣድ፤ ትኽክለኛ ስጉምቲ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

ቱርክ እቲ ውሳነ ዘላቂ ሰላም ከምፅእ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ዝገለፀት እንትትከውን÷ ሰብዓዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከምኡ እውን ናብ ካልኦት ክልላት ክባፃሕ ኢዩ ዝብል እምነት  ከምዘለዋ ኣፍሊጣ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment