መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣቕርቦት ረድኤት ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ዝለኣኽ ኣቕርቦት ረድኤት ንምስላጥ ክብል ጎንፂ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምውሳኑ ስዒቡ ረድኤት ናብቲ ክልል ንክኣቱ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሰብኣዊነት መሰረት ብምግባር ጎንፂ ደው ምባሉ ድሕሪ ምእዋጁ ሰሙን ሙሉእ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብነፈርቲ ንከጎዓዕዙ ንዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ምፍቃዱ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ መድሓኒት፣ ናውቲታት ሕክምና፣ ገንዘብን ሃነፅቲ ምግብታትን ብዝተኽኣለ መጠን ብነፈርቲ ምጉዕዓዝ ምጅማሩ ሓቢሩ።

ንካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ብነፈርቲ ንከጎዓዕዙ ፍቓድ ከምዝሃበ ብምግላፅ፥ ጉዳይ ዓቕሚ እተን ትካላት እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ጉዳይ ህፁፅ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፁ።

ኣቕርቦት እቲ ሓገዝ ንምስፋሕ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብ43 ተሽከርከርቲ ፅዕነት ኣቢሉ ኣብ ክልል ዓፋር ብኣንፈት ኣብዓላ ኣቢሉ ሓገዝ ምግቢ ንክጎዓዓዝ ምፍቃዱ እውን ገሊፁ።

ካብዚአን እተን 20 ተሽከርከርቲ ኣብ ሰመራ ደው ኢለን ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዜጋታት ንምድሓን ዘኽእሉ ኣማራፅታት ኩሎም ይጥቀም ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ብኻሊእ ወገን ዘሎ ኣካል ክሳብ ሐዚ ተሓባበሪ ዘይምዃኑን ከይዲ ኣቕርቦት እቲ ሓገዝ የተዓናቕፍ ከምዘሎን ሓቢሩ።

እቶም ፍቓድ ዝረኸቡ 43 ተሽከርከርቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ምእታው ዘይከኣልሉ እውን ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ኣብዓላ መገዲ ብምዕፃዎም ከምዝኾነ መንግስቲ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ሐዚ እውን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ዕጡቓት ህወሓት ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ካብ ምንዛሕ ነህዝቢ ሓገዝ ዝቐርበሉ መገዲ ምምችቻው ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

ማሕበረሰብ ዓለም እውን እቶም ዕጡቓት ብሓይሊ ካብ ዝሓዝዎን ሰለማዊ ሰብ ትሕጃ ካብ ዝገበርሎምን ወረዳታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ንክወፅኡን ንውሳነ ደው ምባል ተኹሲ ተገዛእቲ ንክኾኑን ድፍኢት ነክገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እቲ ኣቕርቦት ሓገዝ ንክሳለጥን ብሓባር ንክሰርሑ ተስፋ ከምዝገብር ገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment