መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝፃዓና 50 ተሸከርክረቲ መቐለ ንክበፅሕ ንዝገበሮ ፃዕሪ ኣሜሪካ ንኢዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜርካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝፃዓና 50 ተሸከርክርቲ መቐለ ክበፅሓ ዝገበሮ ፃዕሪ ንኢዱ።

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ኣንቶኒዮ ብሊንከን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብዘዉፅእዎ መግለፂ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ፀገም ዉሽጢ ንዝርከቡ ዜጋታት  1ሽሕ 700  ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረዲኤት መቐለ ክብፅሕ ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካለት ኣመስጊኖም።

ካብዙይ ሓሊፉ ትሕቲ ትካል ሕቡራት መንግስቲ ዝርከቡን ካልኦት ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብፃሕ ዝገብርዎ ፃዕሪ ንኢዶም።

እቲ ሚኒስተር  ጉዳይ  ወፃኢ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ረዲኤት ክበፅሕ ንዝገበርዎ ዉሳነ ጎንፂ ደዉ ምባል ዝበረታታዕ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ቐፃሊ ብምክንያት ኩናት ኣብ ኩለን ከባቢታት ኣብ ፀገም ዉሽጢ ዝርከቡ ዜጋታት ኣድላይ ስብኣዊ ሓገዝ ክከፋፈል ምዕሩይ ኩነታት ክፈጥሩ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment