ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ምስ መሓዙት ልምዓት ተዋዲዱ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡
ኣብ ዘተአን ድማ÷ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚት ክወሃቦም ዝግብኡ ጉዳያትን መሓዙት ልምዓት እውን እዞም ተግባራት ኣብ ምድጋፍ ዝህልዎም ግደ ዝጠመተ ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ልዑል ዕቤት ከምዘመዝገበት ዝገለፃ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር÷ መንግስቲ ምስ መሓዙት ልምዓት ተዋዲዱ ንምስራሕ ዘለዎ ቆራፅነት ኣብሪሀን።
ሓዱሽ ተሓጋጋዚ ኣቦ መንበር ጉጅለ መሓዙት ልምዓት (ዲ ፒ ጂ) ራሚዝ ኣላክባርቮ (ዶ/ር)÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፉ ገሊፆም።
ምስ ስራሕቲ ክሌማዊ ለውጢ ተተሓሒዙ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 28) ንኽትሳተፍ ሓገዝ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም፡፡
ምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ጉጅለ ልምዓትን ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ውፅታዊ ኮይኑ ከምዝቕፅል ተስፋ ተነቢሩሉ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com