መንግስቲ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሕቶታት ንምፍታሕ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ብምጥያሽ እናሰርሐ ይርከብ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሕቶታት ንምፍታሕ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ብምጥያሽ እናሰርሐ ይርከብ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ህብረ ብሄራዊ ሕውንት ንዘላቒ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከታ ገንዳ ውሃ መድረኽ ዘተ ህዝቢ ተኻይዱ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፣ የብልጽግና ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር እቶትን ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ፣ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽን ኣይተ ደበሌ ቃበታ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራል፣ ክልል፣ ዞባን ወረዳም ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተሳቲፎም።

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)÷ “ሃገር ክሃንፅ ዝደሊ ማሕበረሰብ ክሓቶም ዝደልዮም ሕቶታት ኣብ ልዝብና ተላዒሎም” ኢሎም።

ሕብረተሰብ ኣማራፂታት ትራንስፖርት ንኽህልዉዎ ኣብ መፅናዕቲን ላይ ዝተመሰረተ ስራሕ እናተሰርሐ ስለዝኾነ ደረጃ ብደረጃ ዝፍታሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ሚኒስትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ ብግደአን÷ ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንኽድንፍዕ፣ ክለምዕ ብዝግበኦ መጠን ንኽለምዕ ፓርቲ ብልፅግና ዕድል ሂቡ ኢዩ፤ እዚ ዕድል ምጥቃም ካብ ኩሉ ትፅቢት ይግበር” ኢለን።

ዘጋጠሙ ፀገማት ብብልሓት እናፈታሕና ክንከይድ ይግባእ ዝበላ እተን ሚኒስትር÷ ፀገማት ዞባ ምዕራብ ጎንደር ንምፍታሕ ዝስራሕ ስራሕ ክቕፅል ከምዝግበኦ ኣመልኪተን።

ኲናት ልዑል ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ከምዘስዕብ ብምኽባር፤ ካብ ኲናት ሰላም ዝጠልብ ሕውነት ዘፅንዕ ወለደ ምህናፅ ከምዘድሊ ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment