መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምስትኽኻል ዘኽእሉ ስጉምትታት ይወሰድ ኣሎ- ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምስትኽኻል ዘኽእሉ ስጉምትታት እናወሰደ ከምዝኾነ  ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ናህሪ ዋጋን ናብራ ንምርግጋእ መንግስቲ ሰለስተ ፍታሓት ኣቕሚጡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣብሪሆም፡፡

እቶም ሚንስትር ኣብ  ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ሰለስተ ምኽንያታት ምህላዉ ገሊፆም።

እቶም ምክንያታት ድማ፥ ዓለም ለኸ ምንሃር ሸቐጣ ሸቐጥ፣ ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ከምኡ እውን ብመሰረታዊ ጉዳይ  ሃገር ዝመጣጠን ድልየት ዘይምህላዉ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

መንግስቲ ድማ ሰለስተ ኣንፈታት ብምቕማጥ ብግዜያዊነት ንቶም ዘለዉ ፀገማት ፍታሕ ምውሃብ፣ መሰረታዊ ሃለቕቲ ፍርያት ምውሳኽን ሳልሳይ ድማ ሕብረተሰብ ኣካል እቲ ፍታሕ ምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ብዋናነት ብዓለም ለኸ ሸቐጣ ሸቐጥ ናህሪ ዋጋ ከምዝኾነ ዶክተር ለገሰ ኣብሪሆም።

መንግስቲ መሰረታዊ ሸቐጣ ሸቐጥ ኣካይዳን ስርዓትን ንምምሕያሽ ብመፅናዕ ዝተደገፈ ፍታሕ ብምሓዝ ትልሚ ኣውፂኡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም፡፡

ፀገም ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ንምቕናሽ ናይቲ ጉዳይ ዋና ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ስለዝኾነ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕልላይ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment