መንግስቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝበለፀ ንምስሓብ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝበለፀ ንምስሓብ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።

ኣባሳደር ሬድዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት እናተሳተፉ ምስ ዝርከቡን ንምስታፍ ድሌት ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ህንዲን ኣባላት ፎረም ኢንቨስትመንት ህንዲን ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ ዘይነበሩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ንደሓር ክፍቲ ምግባራ ተዛሪቦም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን እንይተረፈ መዋእለ ንዋዮም ብምፍሳስ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ናብ ኢትዮጵያ ንኽመፅኡ ኣብነት ከምዝኾኑ ወሲኾም ገሊጾም፡፡

ተሳተፍቲ አቲ ዘተ ሰብ ሃፍቲ ህብዳውያን ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ፣ ምስ ፀፅታን ቀረፅን ዝተተሓሓዙ ሕቶታት ዘልዐሉ እንትኾኑ፥ ካብቶም ሰብ ሃፍቲ ንዝተለዓሉ ሕቶታት ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ ከም ሃገር ንኩሎም ሰብ ሃፍቲ ምቹው ኩነታት ኢንቨስትመንት ንምፍጣር ከምዝስራሕ ኣምባሳደር ሬድዋን ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 6 ሚኢቲ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment