መንግስቲ ስኮትላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ልዕሊ 471 ዶላር ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ስኮትላንድ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ልዕሊ 471 ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ።

መሰረቶም ስኮትላንድ ብዝገበሩ ትካላት ተራድኦ ኣቢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ኢንተርናሽናል ፈንድ ሓገዝ ካቶሊክ ስኮትላንድ፣ ቴርፈንድን ሜርሲ ኮርፕን ዝተብሃሉ ትካላት ተራድኦ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸቕርቡ እቲ ገንዘብ ክኽፈለሎም ከምዝተገበረ መንግስቲ ስኮትላንድ ኣፍሊጡ።

እተን ትካላት ካብ ቀረብ ምግቢ ብተወሳኺ ንመሐለዊ ፅሬት፣ ጥዕናን ህፁፅ ሓገዝ ዝውዕሉ ድጋፋት ከምዝገብሩ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment