መንግስቲ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንምፍፃም ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ንኹሎም ኣካላት ብዘሳተፈ መገዲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንምፍፃም ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ንኹሎም ኣካላት ብዘሳተፈ መገዲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፥ እቲ ስምምዕነት ብዝተቐመጠሉ ኣንፈት ንክትግበር ኩሎም ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ኢለን።

ብነፈርቲን ተሽከርከርቲን ናብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይኣትዉ ኣለዉ ኢለን።

ነዚ ድማ ብመስመር ኣብዓላ፣ ጎንደር – ማይፀብሪ – ሽረን ኮምቦልቻ – ቆቦ ኣላማጣ ደገፍ ይቐርብ ኣሎ ኢለን።

ክሳት 5 ታሕሳስ ልዕሊ 93 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ፣ ልዕሊ 8 ሺሕ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ልዕሊ 833 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲን ምእታዊ ሓቢረን።

ብመዳርግቲ ኣካላት ኣቢሉ 158 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ተዛሪበን።

ካብዚ ሓሊፉ 85 ሚኢታዊ ፅገናን ተፍቲሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተኻየደ ገሊፀን።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ክኣቲ ኢዩ ኢለን።

ኣብ 8 ከተማታት ባንኪ ንምጅማር ዘኽእል ስራሕቲ ኔትዎርክ ከምዝተዛዘመ ተዛሪበን።

ኣብ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ሽረን ልዕሊ 2 ሺሕን 200 ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ስራሕ ንምምላስ ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment