ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት መንግስቲ ሰብአዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ድሕሪ ዝወሰዶ ጎንፂ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ናብ ትግራይ ዝጓዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ሚያዝያ ጀሚሩ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝጓዓዓዝ ሓገዝ ምግቢ እናበፅሐ ከምዝኾነ እቲ ትካል ገሊፁ፡፡
ብምዃኑ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ወርሒ ን5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሰባት ክምግብ ዝኽእል እኹል ሓገዝ ከምዘቕረበ ውሕመ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፌዴራል ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ብምሕሳብ ውሳነ ምቁራፅ ጎንፂ ከምዝወሰነ ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com