መንግስቲ ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ-ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ ክብሉ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝተገበረ መመሓየሺ ፍርቂ ዓመት ከይመልኦ ንኢትዮጵያ ብቢሊየናት ዝቑፀር ዶላር የመፅእ ኣሎ ኢሎም።

ነህዝቢ ተረባሒ ብምግባር ናይ ኣነባብራ ባህሉ ይቕየር ከምዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ብብረኪ ሚኒስትራት ኣብ ኩለን ክልላት ዝተገበረ ድጋፋዊ ሱፐርቪዥን ኣረጋጊፁ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

መንግስቲ ሰላም ብምንጋስ ድሕንነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ውፅኢታዊ ይኸወን ኣሎ ብምባል፥ ነዚ ምፅናዕ፣ ዘላቒ ንክኸወን ምግባር ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ሊትሮ ነዳዲ 0.805 ዶላር ይሽየጥ ምህላዉ ብምግላፅ፥ እዚ ዋጋ ምስ ዓለም ለኻዊ ማእኸላይ መሸጢ ዋጋ ነዳዲ እንትነፃፀር ናይ 35 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዘርእይ ሓቢሮም።

ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ 1.25፣ ኬንያ 1.351፤ ሩዋንዳ 1.136፤ ኡጋንዳ 1.299፤ ታንዛንያ 1.127 ንሓደ ሊትሮ ይሽየጥ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣዝየን ድኻታት ኣብ ዝበሃላ ሃገራት ድማ፥ ማላዊ 1.459፣ ማእከላዊ ኣፍሪካ ሪፐብልክ 1.746 ዶላር ኣሜሪካ ንሓደ ሊትሮ ይሽየጥ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ሓቂ እዚ እናሎ፥ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ምምዕርራይ ዋጋ ነዳዲ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰላም ዘየሐጉሶም ኣብ ተግባር ባንዳነት ዝተፀመዱ ዝተወሰኑ ሰባት ሓበሬታታት ብምዝባዕ ንናይ ባዕሎም እኩይ ባህጊ ፖለቲካ ንምጥቃም ይፍትኑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

መንግስቲ ልምዓት ንምስላጥ ኢሉ ዝወስዶም ስጉምቲታት ብጥንቃቐ ከምዝፍፅም ብምግላፅ፥ ነዚ ሓሲቡን ተሊሙን ዘላቒ ረብሓ መሰረት ብምግባር ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ንነዳዲ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ፣ መድሓኒትን ወዘተ ኣብ ዓመት ክሳብ 300 ቢሊየን ብር  ድጎማ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ፍሪያታት ኣዝርእቲ፣ ሌማት ትሩፋት፣ ኢንሼቲቫት ኣትከልቲን ፍራ ምረን ኣብ ኩሎም ከባቢታት ብምውራድ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ የትግበሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ልምዓት ኮሪደር እውን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ኣብ ከተማታት ይህነፅ ኣሎ ኢሎም።

መንግስቲ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ምኽኒያታዊ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናተኸታተለ ስጉምቲ ክወሰድ ኢዩ ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

Comments (0)
Add Comment