መንግስቲ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝጀመሮ ዘተ ብሓባር ምስራሕ ዘማዕብል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝጀመሮ ዘተ ብሓባር ምስራሕ ዘማዕብል ከምዝኾነ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ቅድመ ሐዚ መህዳር ፖለቲካ እዛ ሃገር ብዙሓት ፀገማት ዝነበሩዎን ባህሊ ምዝታይ ዘይማዕበለሉን ከምዝነበረ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ደስታ ዲንቃ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን መንግስቲ ባህሊ ዴሞክራሲ ንምምዕባል ምስ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ዝጀመሮም ተግባራት ዝተባብዑ ከመዝኾኑ ገሊፆም።

መንግስታት ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን፣ ልምዓት፣ ሰላምን ድሕንነትን ምስ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ሃናፂ ዘተ መግባሮም ንኣብነት ረቚሖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መስ ሓለፍቲ ስራሕ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ ሓበራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕ ባህሊ ብምጥንኻር ርኡይ ረብሓ ኣለዎ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

Comments (0)
Add Comment