ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብምኽኒያት ጎንፂን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሙሉእ ዓቕሙ ብምጥቃም ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ንክኸውን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዳይሬክተር ቢሮ ጉዳያት ምትሕብባር ሰብኣዊ ደገፍ(ኦቻ)ን ክፍሊ ኣተኣኻኻቢ ገንዘብን ሃፍቲን ሊዛ ዳውተን፥ ዓለም ከ ፀብፃብ ሰብኣዊ ደገፍ ብዝምልከት ዕላዊ ገይረን።
ኣብቲ ፀብፃብ፥ ኦቻ ኣብ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ምኽኒያት ደገፍ ንዘድሊዮም ዜጋታት ድጋፍ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪበን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲን ስደተኛታትን ኣድላዪ ደገፍ ተበፃሒ ይገብር ከምዘሎ ድሓ ሓቢረን።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ብምኽኒያት ጎንፂን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሙሉእ ዓቕሙ ብምጥቃም ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ንክኸውን ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።