መንግስቲ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን መተኣኻኸቢ ተረኽ ንምህናፅን ብቖራፅነት እናሰርሐ ይርከብ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን መተኣኻኸቢ ተረኽ ንምህናፅን ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃሒንት÷ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ሱር ሰዲዶም ዝፀንሑን ናይ ዘይምርድዳእ መበገሲ ዝኾኑን ፀገማት ንምፍታሕ ብዙሓት ስጉምቲታት ሪፎርም እናወሰደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተ ንኽፍትሑ መንግስት ብፅኑዕ ክሰርሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ዝተፈፀሙ በደላት ብዕርቂ፣ ብይቅርታን ብፍትሒን ንምስጋር እውን ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ከምዝፀደቐ ኣልዒሎም።

ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ድማ ህዝቢ ኣብ ዛዕባታቱ ምኽክር ብምግባር መፍትሒ ዘቕርበሉ ሃገራዊ ምኽክር ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው እናተዛዘሙ ከምዝኾኑ ፀሪሖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንኽጉልብት ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበ ብምሕባር፥ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሓድነት ኢትዮጵያ ንምፅናዕን ናይ ዘበናት ሓድነት ህዝቢታት ኣብ ጥንኩር መሰረት ንምንባር መተኣኻኸቢ ተረኽ ግድኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ኣልዒሎም።

ነዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ብሄራዊነት ዝተመሰረተ መተኣኻኸቢ ሓራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅ ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሓበሬታታት እንተይተወዝዑ እዋኖም ሓሊዮም ንሕብረተሰብ ተበፃሕቲ ክኾኑ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምኽባር ከምኡ እውን ሕብረተሰብ ንልምዓትን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ተመሳሳሊ ግንዛበ ክህልዎ ኣብ ምግባር እናሰርሐ ይርከብ” ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ኣተኣኻኻቢ ተረኽን ህብረ ብሄራዊ ሕውነትን ዘድሀቡ ሓበሬታታት ብዝተዋደደ መልክዑ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ለገሰ ቱሉ  (ዶ/ር) ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment