መንግስቲ ሃገራዊ ህልውና ኣብ  ሓደጋ ንምውዳቕ ዝፍትኑ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብምንም ዓይነት ኩነታት ኣይዕገስን-ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ሃገራዊ ህልውና ኣብ  ሓደጋ ንምውዳቕ ዝፍትኑ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብምንም ዓይነት ኩነታት ኣይዕገስን ክብል ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዋናዊ ኩነታት፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛታት  ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ከምኡ ውን ካልኦት ዕጡቓት ሕጋዊ ስግምቲ ይወስድ ኣሎ ኢሉ።

መንግስቲ ሳይንሳዊን ገለልተኛን ብዝኾነን መገዲ ብፅንዓትን ምርምርን ከምኡውን ብኣግባብ ሕጊ ንክፍትሑ ኣንፈት ኣቐሚጡ ዝሰርሓሎም ዘሎ ምስ ማንነት፣ ምምሕዳር ወሰንን ባዕልኻ ንባዕልኻ ምስ ምምሕዳር ዝተሓሓዝ ሕቶታት ብምድብስባስ፤ እዛ ሃገር ናብ ጎንፂ ንምእታው  ህዝባዊ እምቢተኝነት ንክፍጠር ውሽጣዊን ግዳማውን ሓይሊታት ተሓባቢሮም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ይገብሩ ከምዘለዉ ብመረዳእታ ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ትርምስ ንምፍጣር ዝተዳለዉ ሰነዳትን ተዋሳእቲ ኣካላትን እውን ኣብ ኢድ እቲ ግብረ ሓይሊ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራን ዞባታት ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ብውሽጢን ደገን ዝተወደቡ ሓይሊታት ጥፍኣት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ንፁሃን ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ንብረት እውን ከምዝዓነወን ብዙሓት ሰባት ከምዝተመዛበሉን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ኣዋሰንቲ ዓፋርን ሱማሌን ክልል ህይወት ንፁሃን ዝቐጠፈ ጎንፂ ኣጋጢሙ ኢኡ ኢሉ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ሃገራዊ ህልውና ኣብ  ሓደጋ ንምውዳቕ ዝፍትኑ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብምንም ዓይነት ኩነታት ኣይዕገስን ክብል እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment