ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሐዚእዉን ኣይረፈደን፥ መንገዲ ሰላምን ዘተን ተሓሲምካ ዂናት ብምውላዕ ዝመፅእ ረብሓ፣ ዝምለስ ሕቶ ህዝቢ ኣይክህሉን ክብሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ተዛሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ፌስ ቡክ ሒሳቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝብና ዝብህጎን ዝሰኣኖን ነገር፣ ሰላምን ልዝብን ዘቐድም መራሒ እንበር፣ ናብ ዂናት ዘሳውሮ ኣይሰኣነን ኢሎም።
ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን፣ ህዝብና ናብ ዂናት ዝመርሕ ንዘሎ ጉጅለ ደው ከብል፣ ናብ ዝተኾለፎ ዘተ ሰላም ክምለስ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሕብረት ፅዕንቶ ክፈጥር ይግባእ።
ኣብ ሞንጎ ትግራዋይ ኣፈላላይ ፖለቲካ ኾነ ኣተሓሳስባ ክህለኡ ተፈጥሮአዊ እዩ። ኮይኑ ግና፥ ኣብ ሞትን-ሕየትን ህዝብና፣ ክሳብ ሐዚ ዝኸፈሎ መስዋእትነትን ሓሳረ-መከራን ይኣኽሎ፣ ተወሳኺ ዂናት አይፋሉን፣ ጉዳያቱ ብእሂን-ምሂን ክፈትሕ ይግባእ! ኢልካ ብፅኑዕን ፅንኩርን ቅዋም ብሓባር ደው ምባል ከመይ ይኣብየና? ዋግዋጎ ብርሃን ሰላም ፅባሕና ነቋምት፤ ልቢ ንግበር።
ዛዕባ ህዝብና ዛዕባ ኹላህና እዩ። ንዝኾነ ጉጅለ ወይ ሓይሊ ሂብካ ናብ ዝቐመጠልና መማረፂ ጥራሕ ክንውሕዝ ትኽክል አይኮነን። ንሕተት፣ ኣማረፅቲ መፍትሒ ሓሳባት ሒዝና ንቕረብ። ፀገምን ጉስቁልናን ህዝብና ንከብቅዕ ብፍላይ ምሁር ትግራዋይ ሚዛናዊ መለክዒ ሒዙ እጃሙ ንክዋፃእ ሎምውን ፃውዒተይ የቕርብ።