መንገስቲ ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንገስቲ ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳ ገሊፆም።

ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ኢትዮጵያ ሰበኽ ሳግምን ቆላማ ከባቢታትን ዘጋጠመ ሓደጋ “ላሊና” ዝተብሃለ ምዝባዕ ንብረት ኣየር ዘስዐቦ ኢዩ።

እቶም ኮሚሽነር ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ትሽዓት ዞባታት ክልል ሶማሌ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ቦረናን ምብራቕ ጉጂን ከምኡ እውን ኣብ ቆላማ ከባቢታት ሃረርጌን ባሌን በቲ ድርቂ ተጠቒዖም ኢዮም።

ኣብ ክልል ደቡብ እውን ኣብ ኮንሶ፣ ጋሞ፣ ጎፋን ቆላማ ከባቢታት ወላይታ ከምኡ እውን ዞባ ደቡብ ኦሞ በቲ ዘጋጠመ ድርቂ ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ።

ከም ገለፃ እቶም ኮሚሽነር እቲ ሓደጋ ድርቂ ኣብ 6 ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ኢዩ።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ብሄራዊ ኮሚቴ ምድላውን ምክልኻል ሓደጋን እቲ ሓደጋ ድርቂ ምፅዋር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምኽክር ከምዝገበረ ኢዮም እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም ዘለዉ።

ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ክልላት ብብርኪ ፌዴራል ዘሎ ኣወዳድባ ዝተኸተለ ኮሚቴ ተዋዲዱ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment