መንእሰይ ትግራይ ክስርሑ ዝደልዮም ስራሕትን ዘለዎ ሕቶ ንኽሓትት  መድረኻት ክዳለዉሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንእሰይ ትግራይ ክስርሑ ዝደልዮም ስራሕትን ዘለዎ ሕቶ ንኽሓትት  መድረኻት ክዳለዉሉ ከምዝግባእ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበረ ተወላዲ ትግራይ ገሊፁ፡፡

“ናይ ሰባት ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዝተፈላለየ እዩ” ዝበለ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበረ ተወላዲ ትግራይ በረከት ኣባዲ÷ “ኣፈላላያት ተረዳዲእኻ ዝለዓሉ ሕቶታት ብኣግባቡ ብምዝርራብ ክፈትሕ ብዘይምኽኣሉ ሳዕቤኑ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ጎንፂ ንኽፍጠር ጌሩዎ እዩ” ኢሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንእሰይ ከይሓትት እናተገበረ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ ሓታታይ መንእሰይ ንምፍጣር እጃም ኩሉ ዜጋ ዝሓትት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

መንግስቲ ድሕሪ እማመ ሰላም ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል÷ ብምኽንያት ኲናት ዝዓነዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዝተቛረፁ መሰረታዊ ግልጋሎታትን ኣብ ሓፂር እዋን ብምፅጋን ህዝቢ ተረባሒ ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣይተ በረከት ኣብሪሁ።

መንእሰይ ትግራይ ተሓባባሪ እዚ ሰናይ ተግባር ንኽኾን እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

“መንእሰይ ትግራይ ካብ ሕሉፍ ጌጋ ተማሂሩ ምስ ኢትዮጵያዉያን ኣሓቱን ኣሕዋቱን ብምትሕብባር ንሰላም ክሰርሕ ይግባእ” ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡፡

ብመቕደስ ሃ/ማርያም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment