መናእሰይ ጊዘኦም ብምንባብን ወለንታዊ ኣገልግሎትን ንከሕልፉ ብዕቱብ ክንሰርሕ ይግባእ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) “ምንባብ ባህሊ መፃሕፍቲ እውን ኩሉ ግዘ ኣብ ገዛ ዝርከቡ ንክኾኑ ከም ሃገር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዝሰኸነ፣ ዝሓስብን ብሓሳብ ልዕልና ዝኣምንን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ንባብ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ባህሊ ንባብ ንምህናፅ ወሳኒ ዝኾኑ ኣብያተ መፃሕፍቲ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልልን ንሃንፅ ኣለና ብምባል፥ ብዝጀመርናዮ መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣቢልና መፃሕፍቲ ብቐሊል መገዲ ንምብፃሕ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ብኤፍ ኤም አዲስ 97.1 ኣቢሉ ኣብ 100 መዓልታት 2016 ዓ.ም ምንባብ ከተባብዕ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ተግባር ካልኦት ሚዲያታት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንባብ ንከተባብዑ ፃውዒተይ አቕርብ ኢሎም።

መፃኢ እዋን ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ዕረፍቲ ዘሕልፍሉ ክራማት ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ጊዘኦም ብምንባብን ወለንታዊ ኣገልግሎትን ንከሕልፉ ብዕቱብ ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment