መናእሰይ ካብ ኣቦታቶም ብብዙሕ ድኻም ዝተረከብዋ ሃገር ብምሕላው ኣልሚዖም ንቐፃሊ ወለዶ ከተሓላልፍዋ ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ መናእሰይ ካብ ኣቦታቶም ብብዙሕ ድኻም ዝተረከብዋ ሃገር ብምሕላው ኣልሚዖም ንቐፃሊ ወለዶ ከተሓላልፍዋ ይግባእ ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን።

መዓልቲ መናእሰይ ዓለም፥ ኣብ ኢትዮጵያ “ ተሳትፎ መናእሰይ ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ መናእሰይ ሃገሮም ብምሕላውን ብምልማዕን ንቐፃሊ ወለዶ ንከተሓላልፉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ናይ ቀፃሊ ብሩህ ዕለት ኢትይጵያ ኣብ ኢድ መናእሰይ ከምዘሎ እውን ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕሉ ወገን ዘሰቅቕ መጥቃዕቲ ዝፍፅም መንእሰይ ምህላዉ ብምሕባር፥ ንልምዓት ሃገር ቀትሪን ለይቲን ዝሰርሑን ዝደኽሙን መናእሰይ ብምርኣየን ልዑል ደስታ ከምዝስምዐን ድማ ገሊፀን።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ወይዘሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ ብግደአን፥ መናእሰይ ኣብ ዕድመ መንእሰይነቶም ንሃገሮምን ንባዕልቶምን ብዙሕ ዝሰርሕሉ ብምዃኑ ዕድመኦም ብኣግባቡ ንክጥቀምሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መናእሰይ ብቖራፅነት ንክሰርሑ እውን መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment