መናእሰይ ኣፍሪካ መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ንምውሳን ልዑል ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣለዎም-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኣፍሪካ መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ንምውሳን ልዑል ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣለዎም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ደጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዘሰናደአቶ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ጉባኤ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ መናእሰይ ኣፍሪካ መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ንምውሳን ልዑል ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሎም።

ዕላማ እቲ ጉባኤ እቲ ልዑል ዓቕሚ ብሓባር ንከጥቀምሉ መዕባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንምፍጣር ከምኡወን ካብ ፅዕንቶ ናፃ ዝኾነት ኣህጉር ንምቕራፅ ዝግበር ፃዕሪ ነምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ምሕባሮም ካብ ቤት ፅሕፈት በልፅግና ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment