ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዘነፃፀረን መናእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝገብርዎ እወንታዊ ተሳትፎ ንምሽቑራር ዝተዘርግሑን በትሪታት ጥፍኣት ምስ ኣካላት ፀፅታን ደሕንነትን ብዝተዋደደ ስጉምቲ ክነኽሽሞም ኢና ክብል ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ንግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ “ትግራይ! ናይ ቁርፂ መዓልቲ ህይወት ኣድሕን ደቃ ንመከራ ነጋዴታት ኣይትግብርን!” ክብል ገሊፁ።
ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ትግራይ ዝበፅሕ ግፍዒ ደው ንምባል፣ ተወሳኺ ጥፍኣት ህይወት ንከየጋጥም ኣጥቢቕካ ናይ ምስራሕ ጉዳይ፣ ሐዚ እውን ብዙሓት ፈተናታት ዘለውሉ ናይ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ተግባራት እውን እንተነኣሰ ብሰብኣዊነትን ህይወት ኣድሕንን ጉዳይ ዘረዳድእ ክኸውን ይገባእ ነይሩ ኢሉ።
ይኹን እንበር በቢዕለቱ ዘጋጥሙ ፀገማት እንትረኣዩ ካብ ሰብኣዊነትን ዝተለመደ ኩነታትን ዝወፅኡ ከምዝኾኑ ንዕዘብ ኣለና ኢሉ።
በዚ ድማ ሓዘን ከምዝስምዖ ገሊፁ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየዱ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት በዝምልከት ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽን ብውሱናት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ብትልሚ ኣብዚ ሰሙን ብተኸታታሊ ዝተመሓላለፉ ቃለ መሕትታት ውፅኢታት ወፍሪ፤ ናይ ባዕልቶም ዝተፈለየ ዕላማ ንምፍፃም ዝተዘርግሑ ንፁሃን ግዳያት ንምግባር ዝተሃቀኑን ከምዝኾኑ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።
እቶም ናይ ፅልኢን ምፍርራሕን ፃውዒታት ህይወት በዓል ሞያን ነብሲ ኣድሕንን መንእሰይ ትግራይ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ምቕንፃል ምጅማሮም ከምዝሕዘኖ ብምግላፅ፥ ናይዚ ምላሽ መኸብበቲ ኣዝዩ ቅልጡፍ፣ ዝተሰለሐን ኣምሃሪን ከምዝኾን ንኣጥፋእቲ ካብ ብሐዚኡ ብፅኑዕ ነገዝብ ኢሉ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ በግምት ደሕሪ ሸውዓተ ሰዓት ካብ ቢሮ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ነምጉዓዝ ኣብ ምድላው ዝነበረ ንግዚኡ ማንነቶም ዘይተፈለጡ ዓፈንቲ ሓይሊታት ብሓይሊ ተወሲዲ ከምዝተሰወረ እንትንገረሉ ዝነበረ መንእሰይ እንጅነር እምብዛ ታደሰ፥ ጭካነ ብዝተመልኦ ኣፈፀምቲ ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ከተማ ገበነኛታት ተቐቲሉ ብሓይሊታት ፖሊስ ፌዴራል ብዝተገበረ ዳህሳስ ትማሊ ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዓይደር ፍሉይ ስሙ ቤት ህንፀት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተቐቲሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣዛብእ ኣብ ዝተውሃበሉ ከባቢ ዝተቖራረፀ ኣካላት ሰውነቱ ብምፍላይ ብተወሳኺ ብምርመራ ብኣረመኒያዊ ኣፈፃፅማ ብጭካነ ከምዝተቀተለ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ሓቢሩ እቲ መግለፂ።
እዚ ተግባር ካብ ሰብኣዊ ፍጡር ትፅቢት ዘይግበረሉን ዝውገዝን ኢዩ ዝበለ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ ኣረመኒያዊ ገበን ቅትለት ዝፍፀም ዘሎ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝቢ ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ዓሊሙ ብመልክዕ ወፍሪ ሓገዛት ምግቢን ሕክምናን ተበፃሕቲ ንምግባር ኣብ ዝንቀቐሰሉ ዘሎ እዋን ከምዝኾነ ገሊፁ።
ብተወሳኺ ሓረስቶት እዋን ማሕረስ ንከይሓልፎም ማሕረስ ንክጅምሩ፣ መሰረተ ልምዓታትን ፋብሪካላትን ናብ ስራሕ ንምእታው፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዳግም ንምጅማር፣ ተበፃሕነት ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ፋብሪካታት ትእምት ናይ ህዝቢ ምዃኖም ንምርግጋፅ ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ንብዓት ትግራይ ዘጋድድን ተወሳኺ መስዋእትነት ዘስዕብን ናይ ጭካነ ተግባር ምፍፃሙ አውጊዙ።
ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ብዝተፈፀመ ኣረመኒያዊ ተግባር ልኡኽ ህዝቢ ብምሽካም ንህዝቢ ዝሕግዙ ዝነበሩን ካብ ፖለቲካ ወገንተኝነት ይኹን ወተሃደራዊ ተሳትፎ ፍፁም ነፃ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ንፁሃን መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ቦታታትን ብኸንቱ ህይወቶም ምስኣኖም ከምዘሕዘኖ ገሊፁ።
መላእ ሕብረተሰብ ብንቕሓት ክከታተሎ ዝግባእ ጉዳይ ከምዝኾነ እወን ሓቢሩ።
ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ህዝባዊ ሓላፍነትን ወገንተኝነትን ብምቕዳም ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ዝፍፅመሉ ዘሎ እዋን እዚ ተግባር ምፍፃሙ ድማ፥ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍኣት ልዕሊ ህልውና ህዝቢ ከመዝሰርዐ ብግልፂ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።
ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ነቶም ነጋዴታት መከራ በቃ ክብሎም ዝግበአሉ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቓ ከምዘሎ ብፅኑዕ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።
ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዘነፃፀረን መናእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝገብርዎ እወንታዊ ተሳትፎ ንምሽምቓቕ ዝተዘርግሑን በትሪታት ጥፍኣት ምስ ኣካላት ፀፅታን ደሕንነትን ብዝተዋደደ ስጉምቲ ክነኽሽፎም ኢና ክብል እውን ኣፍሊጡ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ኢንጅነር እምብዛን ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ንፁሃንን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምውጋዝ፥ በቶም ግዳያት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።
ንቤተሰብን ደገፍቲን እቶም ወገናት ድማ ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።