መናእሰይ ኣብ ምዕምባብን ምስፋሕን ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ-ጀነራል ታደሰ ወረደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኣብ ምዕምባብን ምስፋሕን ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ ክብሉ ምክትል ረእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ማእከል ኪነጥበብ ጩራ ኣቦጊዳን ብምትሕብባር ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዋዕላ መናእሰይን ህንፀት ሰላምን የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ መብዛሕተአን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከሉ ልዕሊ 500 መናእሰይ ዝሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ፥ መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ክህልዎም ዝኽእል ግደ፣ ተሳትፎ፣ ተወካልነትን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ዝጠመቱ መፅናዕትታት ይቐርቡ ኣለዉ።

ኣብቲ ዋዕላ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ጀነራል ታደሰ ወረደ፥ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ብሰንኪ ኲናት ኩለመዳያዊ ሃሰያ ዝበፅሖ መንእሰይ ክልል ትግራይ ኩለመዳያዊ ህንፀት ንምክያድ ዉሕሉል ስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ ብግደኦም ብሰንኪ ዘጋጠመ ኲናት መናእሰይ ትግራይ ግዳያት ስእነት ስራሕ፣ ዘይሕጋዊ ስደት፣ መዐወንቲ ወልፍታትን ክኾኑ ከምዝተገደዱ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ መናእሰይ ዝስርሑ ስራሕቲ ወሰንቲ ምዃኖም ምሕባሮም ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment