መናእሰይ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ግደኦም ንክዋፅኡ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ኮሚሽን ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር)፥ መናእሰይ ባህሊ ምድምማፅን ምዝርራብን ብምጉልባት ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።

ንሰላምን ዝተረጋገዐ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ግደ እቶም መናእሰይ ልዑል ከምዘኾነ እውን ምግንዛቦም ኣብቲ  ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment