መተግበሪ ፍኖተ ካርታ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መተግበሪ ፍኖተ ካርታ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ፌዴሪኢ ይሰናዳእ ከምዘሎ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 80 ከተማታት ኣብ ዝተሳለጡ መድረኻት ዘተ መተኣኻኸቢ እታዎት ዝተረኸቡ ሓሳባት መሰረት ብምግባር ብገለልተኛ ጉጅለ ሞያተኛታት ዝተዳለወ ረቀቕ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ብቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ምፅዳቑ ይዝከር።

ኣብቲ ፖሊሲ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ፖሊሲ ኣብ ምፍፃም እቲ ምዕራፍ ተግባር መዓዝን ከመይን ተጀሚሩ ይፍፀም ኣብ ዝብል ጠመተ ዝገበረ ፍኖተ ካርታ ወይ ዝርዝር መርሃ ግብሪ ትግበራ ምድላው ኣድላዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን በደላትን ዝተፈጠሩ ቁስሊታት ብዝተፈላለዩ ሜላታት ሽግግር ፍትሒ ንሓንሳብን መወዳእታን ዕልባት ምሃብ ዘኽእል መፈፀሚ ፍኖተ ካርታ ይዳሎ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ፍኖታ ካርታ፥ ዘላቒ ሰላም፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ንምርግጋፅ ዝተቐመጠ ኣንፈታት ፖሊሲ ተግባራዊ ንምግባር ከምዘኽእል ተሓቢሩ።

እቲ ምድላው ፍኖተ ካርታ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ብምዝዛም ናብ ተግባር ከምዝእቶ ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment