መተሓላለፊ ቦታታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ካብቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናፃ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መተሓላለፊ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ፣ ክልል ዓፋር ዞባ ሰለስተን ፍሉይ ወረዳ ማሕበረሰብ ኣርጎባን ዝርከቡ መተሓላለፊ ከባቢታት ካብ ስግኣት ናፃ ንምግባር ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣመራርሓታት እተን ዞባታት ኣፍሊጦም።

ካብ ፌዴራልን ክልልን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት መንግስቲ ካብ ዞባ ክሳብ ጣቢያ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ፀፅታን ኣብ ከተማ እምባ ኣሊዩ ተዛቲዮም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ፥ ቀዳሞት ቀመስቲ ገፈት ጥቕዓት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ህልውነኦም ንምርግጋፅ ብሓባር ጠጠው ንኽብሉ ገይሩዎም ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑ ኣካላት ንምቁፅፃር ስርዓት ሓበሬታ ዓፋር ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ውዳበ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ዋሲሁን ብርሃኑ ብግደኦም፥ ኲናት ዝሓቶ ስነ-ልቦና ብምዕጣቕ ምንቅስቓስ ጉጅለታት ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምግታእ ብምትሕብባር ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብናይ ሓሶት ተረኽ ህወሓት ዝነበርና ህዝቢታት ንኽንተኣኻኸብን ሕብረት ክነንፈጥርን ገይሩና ኢዩ ዝበሉ ድማ ምክትል ሓላፊ ቢሮ እቶት ኣይተ ፍቕረማርያም ደጀኔ ኢዮም።

ምክትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ዘፈር ፀፅታን ዞባ ሰለስተ ክልል ዓፋር ኣይተ ኣብዱ ዓሊ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ሒሳብ ከወራርድ ኢየ ዝበለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ዓፋር ብዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ቀዲምና ብሓባር ሒሳብ ክነወራርደሉ ኢና ኢሎም።

ሃፍቲ ምትእኽኻብ፣ ንምክልኃል ምምልማል፣ ናብ ወፍሪ ህልውና ተፀምቢሮም ናብ ግምባር ዝዘመቱ ስድራ ዘመትቲ ምሕጋዝን ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፁ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝረኸብናዮ ባሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment