መበል 82 ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ዓወት ሓርበኛታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 82 ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ዓወት ሓርበኛታት ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ኣራት ኪሎ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሓርበኛታት፤ “ሓድነት ንናፅነትን ዓወትን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ብዝተፈላለዩ መድላዋት እናተኸበረ ዝርከብ።

ኣብ ኣከባብራ ስነ-ርዓት እቲ በዓል፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ኣባላት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ፣ ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን÷ “ኣቦታትና ዘውረሱና ጅግንነት ብሰላም ንዝቕፅል ወለዶ ክነውርሶ ይግባእ” ኢሎም።

ንኢትዮጵያ ንምግዛእ ድሌት ዘየርአየት ሃገር ከምዘይነበረት ብምሕባር÷ ሕዚ ዘሎ ሰላም ብቐሊሉ ዝረኸብናዮ ከምዘይኮነ ምርዳእ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

“መጥቃዕቲ ወረርቲ ሓይሊታት እናተኸላኸለ ብዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምና እናኽበርና ፀኒሕና ኢና” ክብሉ እውን ገሊፆም።

እቲ ማሕበር በዓል ዓወት ሓርበኛታት በቢዓመቱ ዘኽብሮ፥ ቀፃሊ ወለዶ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ንምግባርን ሃገር ክብ ኣብ ዘብሉ ስራሕቲ ንኽስለፍ ንምግባርን ከምዝኾነ ኣብሪሆም ነው፡፡

እቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ወጋሕታ መድፍዕ ተተኵሱ ኢዩ።

ብመሳፍንት እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment