መበል 75 ርኽክብ ስልጣን ኣባ ገዳ ጉጂ ኦሮሞ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 75 ርኽክብ ስልጣን ኣባ ገዳ ጉጂ ኦሮሞ ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ኣባገዳ ጂሎ ማንዶ ስልጣኖም ንኣባገዳ ጃርሶ ዱጎ ኣረኪቦም፡፡

ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ሜኤ ቦኮ ዝተኣኻኸቡ ኣባ ገዳታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ስርዓት ገዳ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብን ዝተፈላለዩ ስርዓታት እናወገኑ ፀኒሖም ኢዮም።

በቢሸሞንተ ዓመቱ ብዝካየድ ርኽክብ ስልጣን መሰረት ሎሚ መዓልቲ ካብ ገዳ ሃርሙፋ ናብ ገዳ ሮበሌ ስግግር ተገይሩ።

ብስርዓት ኣባ ገዳታት ኣርዳ ጂላ ሜኤ ቦኮ ንደቂ ሰባት፣ እንስሳትን ተፈጥሮን ዝተውሃበ መሰል ኣፅንኦት ዝወሃበሉ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት እናወገኑ ፀኒሖም።

ብማርታ ጌታቸው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment