መበል 72 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 72 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ተኻይዱ።

እኼባ ኣብ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ኮቪድ 19ን ተመዛበልቲ ዜጋታት ኣባል ሃገራት መሊስካ እግሪ ምትካልን ብምድሃብ ኢዩ ተሳሊጡ።

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሓ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፀኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ገሊፀን።

እቲ ምርጫ ንክዕወት ብዝተፈላለዩ መገዲታት ደገፍ ንዝገበራ ኣባል ሃገራትን ትካላት ድማ አመስጊነን።

ሓይሊታት ፖለቲካ ሶማሊያ ኣብ ክሊ እቲ ምርጫ ዝነበሮም ኣፈላላይ ብዘተ ብምፍታሕ፣ ኣብ ሃገሮም ምርጫ ንምክያድ ንዘርኣይዎ ቁርፀኝነትን ተበግሶን ንኢደን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ምምሕያሽ የርእይ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ኣብ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብመሰረት ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣብታ ሃገር ካብ ኩሉ ዝተውፃእፀአ ብሄራዊ ሰራዊት ናይ ምህናፅ ከይዲ ተግባራዊ ንክኸወን ፃውዒት ኣቕሪበን።

እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባረዊ ኣብ ምግባር ዘጋጥሙ ዘሎዉ ፀገማት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ግድኣ ንምፍፃም ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፀን ዝብል ኣብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፀኢ ፌዴሪኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment