መበል 70 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 70 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ ከይዲ ቅድመ ምስረታ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዝርዝር ገምጊሙ።

ተናሓናሕቲ ውድባት እታ ሃገር፥ ኣብ ክሊ በዝሒ ዝጣየሻ ክልላትን ኣመሰራርታ ጦር ሰራዊትን ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ከምዘይካኣሉ ተመልኪቱ።

ኣብታ ሃገር ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ 13 መዓልቲ ከምዝተረፉ ዝገለፀ እቲ ቤት ምኽሪ፥ እቲ ግዘ ከምዘይናዋሕን ኩሎም ተናሓናሕቲ ሓይሊታት ኣብተን ዝተረፋ መዓልቲ ዘለዉዎም ኣፈላላያት ብምፅባብ ኣብ ስምምዕነት ንኽበፅሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ኢጋድ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተልዓለ ዕስለ ኣምበጣ ብሓባር ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ እውን ተኻይዱ ኢዩ።

ሎሚ ኣጋምሸት ድማ መበል 34 ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብስላባት ማናየ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment