መበል 55 ስሩዕ ኣኼባ ውሕመ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 55 ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ብብርኪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ተጀሚሩ።

እቲ ኣኼባ “ንኣፍሪካ ዳግመ ህንፀትን ለውጢ ብምቅልጣፍ ኢ-ፍትሐዊነትን ተቓላዓይነት ምንካይ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፥ ተወከልቲን ሚኒስትራትን ፋይናንስ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ፕላንን ኣባል እቲ ኮሚሽን፣ ሓለፍቲ ትካላት ውሕመ፣ መሓዙት ልምዓትን ካልኢት መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ስሩዕ ኣኼባ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ብብርኪ ሰብ ሞያ እናተኻየደ ምፅንሑ ይዝከር።

ሰብ ሞያታት ኣብ ኣኼበኦም ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ድኽነትን ዘይፍትሐዊነትን ከምኡ እውን ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ተዛቲዮም።

ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዉ ለውጢታት ሓዊሱ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት እውን ዘቲዮም።

ኣብ ኣኼባ እቶም ሚኒስትራት፥ ሰብ ሞያ እቲ ኮሚሽን ተዛቲዮም ኣብ ዘቕረቡዎም ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ከመሓላልፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣኼባ እቶም ሚኒስትራት ንክልተ መዓልቲ ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment