መበል 55 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ኢኮኖሚ ልምዓትን ፕላንን ውሕመ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 55 ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ ኢኮኖሚ ልምዓትን ፕላንን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብብርኪ ሰብ ሞያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

እቲ ኣኼባ፥ “ዳግመ ህንፀት ኣፍሪካን ለውጢ ብምቅልጣፍን ዘይምጥዕዓምን ተቓላዕነትን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ሰብ ሞያ ፋይናንስ፣ ትልሚን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ሃገራት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ኮሚሽን፣ ሓለፍቲ ትካላት እቲ ኮሚሽን፣ መሓዚት ልምዓትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም።

ስሩዕ ኣኼባ እቲ ኮሚሽን፥ ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ኩለመዳይ ኩነታ ማሕበራዊ ልምዓትን ከምኡ እውን ኣብ ምትእስሳር እቲ ዞባ ዘለዉ ለውጢታት ከምዝግምግም ተገሊፁ።

ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ሰብ ሞያታት ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝዝትዩ እንትኾኑ፥ ዝተዛተዩሎም ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ነቶም ሚኒሰስራት ከቕርቡ ኢዮም።

ኣኼባ ሚኒስትራት 11ን 12ን መጋቢት 2015 ከምዝካየድ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment