መበል 47 ዓመት ምስረታ በዓል እዚ ምብራቕ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 47 ዓመት ምስረታ በዓል እዚ ምብራቕ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድን ምክትል ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ተረኺቦም።

ኣካቢ ኣዳላዊ ኮሚቴ እቲ በዓል ብርጋዲየር ጀኔራል ኑሩ ሙዘይን፥ እዚ ምብራቕ ንዝሓለፉ 47 ዓመታት ብብዙሓት ዓወታት ተዓጂቡ ታሪክ ዝሰርሐ እዚ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ዝኾነ ይኹን ግዳጅ ንምፍፃም ኣብ ዘኽእል ኣተኣማማኒ ወተሃደራዊ ቁመና ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ ጅግጅጋ ሻፊ ኣሕመድ (ኢ/ር) ብግደኦም፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ክልል ንዝተረኸበ ኣተኣማማኒ ሰላም እዚ ምብራቕ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ብሀዝቢ እቲ ክልል ዘይርሳዕ ህያው ታሪክ ኢዩ ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment