መበል 44 ጉባኤ ኣፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ክለዓሉሉ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 44 ጉባኤ ኣፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅር ኢዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ንመበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ኣጀንዳ ምርቃቕ ሓዊሱ ዝተፋላለዩ ርእሰ ጉዳያት ከምዝለዓሉ መርሃ ግብሪ እቲ ሕብረት የርኢ።

ኢትዮጵያ እቲ ኣጋጣሚ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ሃፍቲን ዲፕሎማሲያዊ ዓወታትትን ንምጥቃም ምድላው ከምዝዛዘመት ዝሓበሩ ድማ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም (ዶ/ር) ኢዮም።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሃገራ ኣፍሪካ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ትካላትን ካልኦት ሃገራን ከምዝሳተፉ ትፅቢት ይግበር።

ከምዚ ዓይነት ጉባኤታት ነአሰናዳእቲ ሃገራት ኣብ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment