መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ይካድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት እተን ኣባል ሃገራትን ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት እዚ ኣህጉርን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ኣኼባ “ ምህናፅ ዓቕሚ ስርዓተ ምግቢ ኣፍሪካ፣ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ምቅልጣፍ ኢኮኖሚን ማሕቤዊ ልምዓትን” ብዝብል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘዳለዎ መሪሕ ቃል 2022 ክላዘብ ኢዩ።

28ን 29ን ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝቐርቡ ረቂቕ ኣጀንዳታት ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣባላት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ብምምራፅ እቲ ጉባኤ ዘፅድቕ እንትኸውን፥ ምስ ቀጠናዊ ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ፣ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ካልኦት ትካላት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ውድብ ሕቡራት መነግስታትን ዘለዎ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ንክጠናኸር ናይ ምፍላጥ ስራሕ ክፍፀም ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከባ ዝተፈላለያ ትካላት ኣፈፃፅማን እቲ ሕብረት ኣብ 2021 ዘካየዶም ኣኼባታትን ዝምልከቱ ፀብፃባት ከዳምፅ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment