መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት እተን ኣባል ሃገራትን ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት እዚ ኣህጉርን ክሳተፉ ኢዮም።

እቲ ኣኼባ “ ምህናፅ ዓቕሚ ስርዓተ ምግቢ ኣፍሪካ፣ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ምቅልጣፍ ኢኮኖሚን ማሕቤዊ ልምዓትን” ብዝብል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘዳለዎ መሪሕ ቃል 2022 ክላዘብ ኢዩ።

28ን 29ን ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝቐርቡ ረቂቕ ኣጀንዳታት ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣባላት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ብምምራፅ እቲ ጉባኤ ዘፅድቕ እንትኸውን፥ ምስ ቀጠናዊ ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ፣ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ካልኦት ትካላት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ውድብ ሕቡራት መነግስታትን ዘለዎ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ንክጠናኸር ናይ ምፍላጥ ስራሕ ክፍፀም ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከባ ዝተፈላለያ ትካላት ኣፈፃፅማን እቲ ሕብረት ኣብ 2021 ዘካየዶም ኣኼባታትን ዝምልከቱ ፀብፃባት ከዳምፅ ኢዩ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment