መበል 38 ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 38 ህፁፅ ጉባኤ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ጅቡቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ መራሕቲ ሃገራት ሱዳን፣ ኬንያ ፣ ሶማሊያ፣ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ተረኺቦም።

ጊዚያዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ ፕሬዚዳንት ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፥ ኩነታት ኮቪድ-19 ኣባላል ሃገራት፣ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝተቖፃፀሩሉ መገዲን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቅልጡፍ ዴሞክራሲያዊ ስግግርን ኣድኒቖም።

ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ዘላቒ ምለሽ ንመሃብ መራሕቲ እተን ኣባል ሃገራት ዘለዎም ሕውነታዊ መንፈስ ዝድነቕ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ኣኼባ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ህፁፅ መልሲ ኣብ ዘድሊዮም ዛዕባታት ተዛቲዩ ኣድላዪ ኣንፈት ከምዘቕምጥ እውን ገሊፆም።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቒማሃማት ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድነት ሃገር ንምሕላው ዝኸዶ ጥንኩር ጉዕዞ ብምንኣድ፤ ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ንምጥያሽ ቀፃልነት ዘለዎ ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment