መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝላዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ክህቡ ኢዮም።

ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2016  መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ጠሚቶም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝለዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ክህቡ ኢዮም።

ብኣሰራርሓን ደንቢ ኣባላትን እቲ ባይቶ ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 76 መሰረት እውን እቲ ባይቶ ረቂቕ በጀት ዓመት 2017 መንግስቲ ፌዴራል ኣመልኪቱ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ዘቕርቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምድማፅ ነቲ ረቂቕ በጀት ከፅቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment