መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ምስላጥ ጀሚሩ።
መራሕቲ ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ሎሚ ንጎሆ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እናኣተዉ ፀኒሖም ኢዮም።
እቲ ጉባኤ፥ “ዓቕሚ ስርዓተ ምግቢ ኣህጉር ኣፍሪካ ምህናፅ፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልምዓት የሳልጥ” ብዝበል መሪሕ ቃል ሎሚን ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።
ኢትዮጵያ ብኣቦ መንበርነት እንመርሖ ኣፈፃፅማ ኩለመዳይ ፕሮግራም ምዕባለ ሕርሻ ኣፍሪካ ክቐርብ ኢዩ።
እቲ ፀብፃብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ከቕርብዎ ኢዮም ዝበል ትፅቢት ኣሎ። ኣፈፃፅማ ትልሚ ዓውዲ ሕርሻ ዝርከበሉ ብርኪን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዘካተተ ፀብፃብ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።
ብምኽኒያት ለበዳ ኮቪድ 19 መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ንክልተ ዓመታት ብኣካል ብምርካብ ዘካይድዎ ጉባኤ እንተይገበሩ ፀኒሖም ኢዮም።
ብምኽኒያት ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ዝነበረ እዋናዊ ኩነታት ውሱናት ወገናት ጉባኤ እቲ ሕብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኸይካየድ ልዑል ፃዕሪ እንተተገበረ አውን፥ ብዝተገበሩ ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ውሳነ ኣባል ሃገራትን እቲ ጉባኤ ብመሰረት ሕገ ደንቢ እቲ ሕብረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽካየድ ተገይሩ ኣሎ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment