መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍርካ ብዕውት ኩነታት ተዛዚሙ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ መራሕቲ ብሰላም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍርካ ብዕውት ኩነታት ተዛዚሙ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ መራሕቲ ብሰላም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ለበዳ ኮቪድ 19 ድሕሪ ምግጣሙ ንመፈለምታ እዋን ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ብዛዕባ ኣፍሪካ ዝተላዘቡ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣምባሳደራትን እቲ ሕብረት ብመንፅር ሎሚ ዘበን ካብ ዘቐመጦ መሪሕ ኣጀንዳ ዝተወደኑ ውሳነታት ከምዘመሓላለፉ ገሊፁ።

ብፍላይ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ግቡእ ቦታ ነክትረክብ ንምግባር ኩለን ሃገራት ብቖራፅነት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ እውን ሓቢሩ።

ዶኒ ንጎኒ እቲ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢት ኣይተ ደመቀ መኮንንን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ዘካየድዎ ክልቲኣዊ ልዝብ ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንምዕባይ ዘኽእሉ ኢዮም ኢሉ።

ኢትዮጵያ መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍርካ ዕዉትን ብዝደመቐን ኩነታት ኣሰናዲኣ ኣጋይሻን ብሰላም ናብ ሃገሮም ከምዘፋነወት ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኸይካየድ ዝነበሩ ፅዕንቶታት ብምፅዋር ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተኻየዱ ብዝተፈለየ ድምቀት እቲ ጉባኤ ብዘይ ምንም ፀገም ምትእንጋድ ምኽኣላ ንኢትዮጵያን መላእ ኢትዮጵያውያንን ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዝኾነ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment