መበል 31 ሃገር ለኸ ጉባኤ ትምህርት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 31 ሃገር ለኸ ጉባኤ ትምህርት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ “ጥንኩር ስርዓት ትምህርቲን ምዘናን ንፅሬት ትምህርቲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞ፣ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፣ ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲ፣ ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልላትን ሙሁራንን ተረኺቦም፡፡

ኣፈፃፅማ ሴክተር ትምህርቲ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ዝግምገም እንትኸውን÷ ምንቅስቓስ ስራሕ 2015 ዓ.ም ዝህልዎ ኣካይዳ ኣመልኪቱ እውን ምኽክር ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment