መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳውያን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳውያን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸባ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ÷ ሓደ ሚሊየን ዜጋታት ዝቐጠፈ ምፅናት ዓሌት ሩዋንዳ መሕዘኒ ታሪኽ ኣፍሪካውያን ከምዝኾ ኣብሪሀን፡፡

“ናይ ሩዋንዳውያንን ክስተት እንትንሓስብ ኣብ ኣፍሪካን ካልኦት ከባቢታትን ዝፍፈፀሙ ገበናት ምፅናት ዓሌት ንምክልኻል ዘለና ሓበራዊ ቆራፅነት ብምርኣይ ክኸውን ይግባእ” ኢለን፡፡

ኢትዮጵያ ገበን ምፅናት ዓሌት ንምክልኻል ምስ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፀን፡፡

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብርት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማት ብግደኦም÷ “እቲ ዝኽሪ ንሩዋንዳውያን ዘለና ምሕዝነት ነርእየሉን ንሰላምን ድሕንነትን ኣህጉር ኣፍሪካ ንሰርሐሉን ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ሩዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ሆፕ ቱሙኩንዴ ጋሳቱራ÷ ኣብቲ ስነስርዓት ዝኽሪ ንዝተረኸቡ ብምምስጋን ኩሉ ካብ ዘሕዝን ታሪኽ ሩዋንዳውያን ትምህርት ክወስድ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment