ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 28 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፥ ኣትሌቲክስ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብምፍላጥ ልዑል ግደ ዘለዎን ልዕሊ ውድድር ከምዝኾነን ገሊፀን።
መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝህቦ እውን ተዛሪበን።
ኣብቲ ጉባኤ ቃለ ጉባኤ መበል 27 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝፀደቐ እንትኸውን፥ ናይቲ ፌዴሬሽን ናይ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ይቐርብ ኣሎ።
ብወርቅነህ ጋሻሁን