መበል 27 ሓበራዊ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ዶብን ኮሚሽነራትን ኢትዮ-ጂቡቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መበል 27 ሓበራዊ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ዶብን ኮሚሽነራትን ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ኣርታ ጂቡቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዓ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬአለም ሽባባው፥ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ዕድልን ራኢን ከምዘለዎም ተዛሪበን።

ወይዘሮ ፍሬዓለም ንመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብምምስጋን፥ ካብ ርክብ ንግዲ ብተወሳኺ ዘሎ ዓሚቕ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዘርአየ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ብምጥያሹ ዝተረኸበ ዓወት ገሊፀን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋየ፥ እቲ ኣኼባ ኣብዚ ወሳኒ ወቕቲ ምክያዱ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ኣሕዋት ሃገራት ዘሎ ፍሉይ ርክብ ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ተሳትፎታት ስትራቴጂክ ምሕዝነት ንምጥንኻር ካብ ዝሕግዙ መገዲታት ሓደ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

የጂቡቲ የሃገር ውስጥ ጉዳይ ሚኒስትር ሰአድ ኑህ ሃሰን ስብሰባው በሁለቱ ሃገራት መካከል ያለውን ጠንካራ ግንኙነት ይበልጥ ለማጠናከር ወሳኝ መሆኑን ጠቁመው÷ በሕገ -ወጥ ሸቀጦች እና ሕገ -ወጥ የሰዎች ዝውውርን ጨምሮ ሕገ -ወጥ እንቅስቃሴዎችን ለመቆጣጠር በጋራ መስራቱ አስፈላጊ መሆኑን አፅንኦት ሰጥተዋል

ኣብ ዘይሕጋዊ ሸቐጣትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንምቁፅፃር ብሓባር ምስራሕ ከምድሊ እውን ኣገንዚቦም

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብኢኮኖሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብማሕበራዊን ባህሊን ምትእስሳር ዝግለፅ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment