መበል 22 ጉባኤ ትካል ሙስሊም ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 22 ጉባኤ ትካል ሙስሊም ኢትዮጵያ ካብ 8 ክሳብ 18 ሓምለ 2014 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ ካብ ሃገሮም ዝወፅኡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ነክምለሱ፣ ብዛዕባ ሃገሮም ክሓስቡን ግንዛበኦም ንከስፍሑን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እስላማዊ ክብሪታት ንሰላምን ምዕባለን ሃገር ኣስተዋፅኦ ንክህልዎ ንምግባር ከምዝኾነ አውን ተሓቢሩ።

ኣተሓባባሪ እቲ መርሃግብሪ ኣይተ መሓመድ ካሳ፥ ብመንፅር ምፍላጥ ፅባቐ ሃገር፣ ምንቕቓሕ ዓውዲ ቱሪዝም፣ ምፍላጥ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ትኹረት ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ብሜሮን ሙሉጌታ

Comments (0)
Add Comment